
እዚ ትካል’ዚ፡ንምዕባለን ምምሃርን ቋንቋ ትግርኛን፡ ምልላይ ሃገራዊ ባህልና ንመጻኢ ትውልድን፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱን ዚዓብዩን ቈልዑ፡ ዝዓለመ ኮይኑ፣ ብነጻ ኣገልግሎትን ተወፋይነትን ብዚሰርሑን ዚነጣጠፉን ኣባላት ዝቘመ ኣካል’ዩ።
ካብ 1987 ጀሚሩ እቲ ንመጀመርያ ግዜ ብፊደላት ግእዝ ብኮምፕዩተር መጻሕፍትን መጽሐታትን ኪጽሕፍ ዝጸንሐ ትካል’ዩ። ክሳዕ ሕጂ፡ ካብ ጀመርቲ ክሳብ ንካልኣይ ደረጃ ዚኸውን ሽዱሽተ መምሃሪ መጻሕፍቲ፡ ብዝሕ ዝበሉ ዝተፈላለዩ ንሕጻናትን ንዓበይትን ዚኾኑ መጻሕፍትን ካልእን ዘበርከተን ዜበርክት ዘሎን’ዩ። ንነኣሽቱ ዚኸውን መጻሕፍቲ ኣብ ምትርጓም’ውን ይነጥፍ’ዩ። እዞም ኣብ’ዚ ተዘርዚሮም ዘለዉ መጻሕፍቲ ብኣዲ ገብረን ምንያ ጸጋይን ዝተደርሱ ኢዮም። ኵነታት እንተደኣ ፈቒዱ፡ ናይ ካልኦት ደረስቲ’ውን ኣሕቲምና ከነቕርብ ክንፍትን ኢና።
እዚ መርበብ’ዚ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኢዩ ተነዲቑ። ንግዚኡ ብዘይካ ሓበረታን መሸጣ መጻሕፍትን ካልእ ትሕዝቶ የብሉን። ኣብ ዚመጽእ ግዜ ግን ኣድለይቲ ዝበልናዮም ጽሑፋት ክንቅርብ ተስፋ ኣሎና። ብፍላይ ካብ በጻሕትና ዝመጸና ሕቶታት፡ሓሳብትን ሃናጺ ነቐፈታታትን ክንቅበል ድሉዋት ኢና።